ሓበሬታ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ካብ ዶ/ ኣስቴር ኣለምሰገድ
ናይዚ ሰሙን መወዳእታ ናብ ሓምለ 4( July 4) ኣብ እነምርሓሉ ዘለና ከምኡውን ኮቪድ -19 ኣብ መላእ ኣመሪካ ብፍጥነት  ኣብ ዝላባዓሉ ዘሎ እዋን፤ ኣነን ከማይ ዝኣመሰሉን ኣብ ናይ ህዝቢ ኣገልግሎት ጥዕና ዝተዋፈርና ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዝርግሐ ኮቪድ-19 ብዘሎ ኣፍልጦ ኣብዝመጽእ ሒደት ሰሙናት እንታይ ከምዝመጽእ ኣዝዩ ኢዩ ዘተሓሳስበና።
ድሕሪ “ኣብ ገዛኩም ጽንሑ ዝብል” ትእዛዝ እቲ ለበዳ ጎዲሉ ነይሩ። ሕጂ ድማ ቁጽሪ ዝተለኽፉ እንዳዓበየ ይኸይድ ኣሎ። እዚውን ኣብ ሕብረተሰብ ብሕልፊ እቶም ነቲ ሕማም ዝተቓልዑ ሞት ከስዕብ ይኽእል’ዩ።
ኮቪድ-19 ንምክልኻል መሸፈኒ ኣፍ ወይ ማስክ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ምኽንያቱ፣
-       ንስኻ እትገብሮ ማስክ ንኻልኦሎት ይከላኸለሎም ንሳቶም ዝገብርዎ ማስክ ድማ ንዓኻ ይከላኸለልካ፡
-       ማስክ ምግባር ካብ ኣፍን ኣፍንጫን ዝወጽእ ነጠብጣብ ናብ ኣየር ከይብተን’ሞ ብኻልኦት ብትንፋስ ከይሰሓብ ይከላኸል፡
መጽናዕቲታት ከምዝሕብርዎ ክታበት ኮቪድ-19 ክሳብ ዝርከብ መሸፈኒ ገጽ ምግባር ኣዝዩ ውጽኢታውን ቀሊልንን መከላከሊ ዝርግሐ ኮቪድ-19 ኢዩ።
ናይ ሓደ ስድራ ኣባላት እንተዘይኰንኩም ኩሉግዜ ርሕቀትኩም ሓልዉ።
ንስኻትኩምን ኣነን ዘይክንሓምም ወይ ድማ ብቐሊሉ ክንሓልፎ ንኽእል ንኸውን፤ ነገርግን ናብ ዓበይቲ፡ ዝተቓልዑ ህጻናት ብቐሊሉ ከነመሓላልፎ ከም እንኽእል ምስትውዓል የድሊ።
እንቋዕ ናብ ሓምለ 4 ኣብጽሓና!
ሰላም ቅነ!
ዶ/ር ኣስቴር ኣ.
King County Public Health COVID-19 Resources in Tigrinya

ኣብ ገዛኹም ብምጽናሕ ጥዕናኹም ኣውሕሱ

King County Public Health COVID-19 Resources in Tigrinya 

Free Food Resources

Every week, Public Health – Seattle & King County and the City of Seattle are updating this map with free public food resources in King County. Click on the ‘Return to Main Page’ button to see a list view and printable list view. 

Links to Zoom Videos
COVID- 19 Resources/ኣገዳሲ ምንጪ ብዛዕባ ሕማም ኮቪድ19

ሓበሬታ ዝተፈላለየ ሓገዛት ንኮሮና ቫይረስን ካልእን ዝምልከት ነዞም ዝስዕቡ (Link) ብምጥዋቅ ተመልከቱ፡

  1: ናይ ሲያትል መንግስቲ / Seattle Government

  2: ዩናይትድ ዌይ ሓገዝ ምስ እትደልዩ / If you need help

  3: Census 2020 to learn more and respond to your questionnaire today

  4: ናይ ገዛ ሞርጌጅ ሓገዝ / Mortgage Relief

Upcoming Events