ሓበሬታ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ካብ ዶ/ ኣስቴር ኣለምሰገድ
ናይዚ ሰሙን መወዳእታ ናብ ሓምለ 4( July 4) ኣብ እነምርሓሉ ዘለና ከምኡውን ኮቪድ -19 ኣብ መላእ ኣመሪካ ብፍጥነት  ኣብ ዝላባዓሉ ዘሎ እዋን፤ ኣነን ከማይ ዝኣመሰሉን ኣብ ናይ ህዝቢ ኣገልግሎት ጥዕና ዝተዋፈርና ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዝርግሐ ኮቪድ-19 ብዘሎ ኣፍልጦ ኣብዝመጽእ ሒደት ሰሙናት እንታይ ከምዝመጽእ ኣዝዩ ኢዩ ዘተሓሳስበና።
ድሕሪ “ኣብ ገዛኩም ጽንሑ ዝብል” ትእዛዝ እቲ ለበዳ ጎዲሉ ነይሩ። ሕጂ ድማ ቁጽሪ ዝተለኽፉ እንዳዓበየ ይኸይድ ኣሎ። እዚውን ኣብ ሕብረተሰብ ብሕልፊ እቶም ነቲ ሕማም ዝተቓልዑ ሞት ከስዕብ ይኽእል’ዩ።
ኮቪድ-19 ንምክልኻል መሸፈኒ ኣፍ ወይ ማስክ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ምኽንያቱ፣
-       ንስኻ እትገብሮ ማስክ ንኻልኦሎት ይከላኸለሎም ንሳቶም ዝገብርዎ ማስክ ድማ ንዓኻ ይከላኸለልካ፡
-       ማስክ ምግባር ካብ ኣፍን ኣፍንጫን ዝወጽእ ነጠብጣብ ናብ ኣየር ከይብተን’ሞ ብኻልኦት ብትንፋስ ከይሰሓብ ይከላኸል፡
መጽናዕቲታት ከምዝሕብርዎ ክታበት ኮቪድ-19 ክሳብ ዝርከብ መሸፈኒ ገጽ ምግባር ኣዝዩ ውጽኢታውን ቀሊልንን መከላከሊ ዝርግሐ ኮቪድ-19 ኢዩ።
ናይ ሓደ ስድራ ኣባላት እንተዘይኰንኩም ኩሉግዜ ርሕቀትኩም ሓልዉ።
ንስኻትኩምን ኣነን ዘይክንሓምም ወይ ድማ ብቐሊሉ ክንሓልፎ ንኽእል ንኸውን፤ ነገርግን ናብ ዓበይቲ፡ ዝተቓልዑ ህጻናት ብቐሊሉ ከነመሓላልፎ ከም እንኽእል ምስትውዓል የድሊ።
እንቋዕ ናብ ሓምለ 4 ኣብጽሓና!
ሰላም ቅነ!
ዶ/ር ኣስቴር ኣ.